ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ምስ ኢንስቲትዩት ሪሶርስ ወርልድ ሓቢሩ ንምስራሕ ሰነድ መረዳድኢ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ምስ ኢንስቲትዩት ሪሶርስ ወርልድ ምስ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ከምኡ እውን ለውጢ ከባቢ ኣየር ተተሓሒዙ ኣብ ለውጢ ትካልን ህንፀት ዓቕሚን ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ መረዳድኢ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋን ተወካሊ ኢንስቲትዩት ሪሶርስ ወርልድ ኣይተ ኣክሊሉ ፍቅረ ስላሴ ተፈራሪሞምዎ።

ኣብ ምሕንፃፅ ትልሚን ፖሊሲን ብሓባር ምስራሕ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር ምስ ድኽነት ዘለዎ ምትሕሓዝን ፅዕንትኡን ኣብ ምግምጋም ህንፀት ዓቕሚ ምጥንኻር፣ ብሓባር ኣብ ዝግበሩ ምርምራት ዝርከቡ ውፅታት ብሓባር ንምስራሕ ዝሕግዝ ዓውደ መፅናዕቲ፣ ሴሚናርን ሲምፖዚየምን ብሓባር ምድላው ኣካል እቲ ስምምዕነት ኢዩ፡፡

ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ብምርምር ዝተሓገዘ ውሳነ ንምግባር፣ ኣብ ዝተቐመጠሉ ማዕቐፍ ንምትላም ዓቕሚ ዳታቤዝ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ዓቕሙ ንዕባይ ጥንኩር ተሞክሮ ካብ ዘለዎም ትካላት ልምዲ ንምክፋል ድሌት ከምዘለዎም ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ከባቢያዊን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ተተሓሒዙ ንዝግበር ሳይንሳዊ ምርምር ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዕዙዝ ድሌት ከምዘለዎ ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment