ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሁዋዌይን ሰነድ መረዳድኢ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴሪኢን ኣብ ምቕራብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ዝፍለጥ ኩባኒያ ሁዋዌይን ኣብ ክእለት ኣይ ሲቲን ስነ-ምህዳርን ንምልማዕ ሰነድ መረዳድኢ ተፈራሪሞም።

እቲ ስነ-ምህዳር ተምሃሮን ሰብ ሞያታትን ብብርኪ ዓለም መረጋገፂ ኣፍልጦ ክረኽቡን ኣብ ዘፈር ቴሌኮምን ኣይሲቲን ዝህልዎም ቀፃላይ ጉዕዞ ንኸጠናኽሩ ዝሕግዝ ኢዩ።

እቲ ምትሕብባር እንትትግበር ኩባኒያ ሁዋዌይ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ብስልጠናን መረጋገፂ ብቕዓትን ክእለቶም ንኸደንፍዑ ካብ ምሕጋዙ ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ኢንዱስትሪ ንዝርከቡ ፈጠርቲ ስራሕ ሓደሽቲ ክእለታት ዝርከበሉ ኢዩ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ስልጠና መረጋገፂ ብቕዓት ንሰለስተ ዓማውቲ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ን800፣ ኣብ ሰለስተ ዓመት ድማ 7 ሺሕን መናእሰይ መረጋገፂ ብቕዓት ክወሃቦም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ሰለስተ ዓማውቲ ን3 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዓለም ለኸ ዕዳጋ ስራሕ ዕድል ስራሕ ንምምችቻው ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment