ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌደራል መድረኽ ስሩዕ ጉባኤ ምትእስሳር ኮሚሽን ስነ-ምግባርና ፀረ ግዕዝይናን የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌደራል መድረኽ ስሩዕ ጉባኤ ምትእስሳር ኮሚሽን ስነ-ምግባርና ፀረ ግዕዝይናን የሣልጥ ኣሎ።

ዋና  ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌደራል ዶክተር ሳሙኤል ሁርቃቶ ዝተረኸቡሉ እቲ መድረኽ÷ ኮሚሽናት ፀረ ግዕዝይና ክልላት እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብቲ ጉባኤ ግዕዝይና ሃገራዊ ስግኣት ምዃኑ ብምርዳእ ንምክልኻል ዘኽእሉ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ህንፀታት ዓቕሚን ስራሕቲ ህንፀት ስነ-ምግባርን ይድህሰሱ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ መፅናዕቲ ስግኣት ተቓላዕነት ግዕዝይናን ኣገልግሎት ምሕደራ ሓሬታ ግዕዝይናን ዝርከቡሉ ብርኪን ፀረ ግዕዝይና ንምቅላስ ምስ ዝህልዎም ረብሓን ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጉዳያት ክዝተየሉ ኢዩ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment