ኮሚሽን ጉምሩክ 191 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓ.ም  191 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ምስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣመራርሓ ብምዃን ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ የካየድ ኣሎ።

ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ፥ ሰርዓት ምእካብ ልቓሕ፣ ንግዲ ኣታዊ ወፃኢ ከምኡውን ስራሕቲ ኮንትሮባንድ ብምምሕያሾም ኣብ 2016 ዓ.ም እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ብሓፈሻ 191 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ብዳዊት ጎሳዬ

Comments (0)
Add Comment