ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ጎንፂታት ናይ ምገፍታሕን ምህዳእን ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ጎንፂታት ንፍታሕ፣ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰታት ምፅራይ፣ ፍትሒ ስግግር ንመሃብ፣ ሓድነት ህዝቢ ንምጥንኻርን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዘኽእል ቅድመ ምድላው  እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ምንቅስቓሳት ሰለስተ ዓመታት ኣመልኪቱ መግለፂ ዝሃበ እንትኸውን፥ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምትሕብባር ብምስራሕን ክሳብ ክልላት ኣቢያተ ፅሕፈት ብምኽፋትን ብብርኪ ክልል፣ ዞባታትን ወረዳታትን ጎንፂታት ንምፍታሕን ንምህዳእን ምንቅስቓሳት ከምዝጀመረ ገሊፁ፡፡

እቲ ስራሕ ነታ ሃገር ሓዱሽ ከም ምዃኑ መጠን ፖለቲከኛታት፣ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ብዛዕባ ሰላምን ዕርቂን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ምስርሑ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ዘጋጠሙ ማሕለኻታት እውን ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃምን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባርን ምፍታሕ ከምዝኸኣለ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ እውን ዘበን ስርሑ ተናዊሑሉን ክፍተታት ሕጊ ተፈቲሖምሉን ስርሑ ብዝሓሸ ንኽሰርሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽግበረሉ ንህዝቢን መንግስቲን ሓቲቱ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment