ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ካብ 20 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ካብ 20 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ሚሪ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት እቲ ትካል ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናከፋፈለ ይርከብ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ክልቲአን ክልላት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 342 ሚሊየን 446 ሺሕን 800 ብር ዘውፅእ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡

ብምሰረት እዚ 150 ሺሕን 627 ኩንታል ስርናይ ን371 ሺሕን 291 ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ተበፃሒ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ንህፃናትን ነብሰ ፁር ኣደታትን ዝኸውን 14 ሺሕን 292 ኩንታል ሃናፂ ምግቢ ናብቶም ከባቢታት ከምዝተኸፋፈለ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ከባቢታት ኣኽሱም፣ ሽረ፣ ሸራሮ፣ ራያ ባላ፣ ኣላማጣ፣ ግዳንን ኮረምን ከምተገበረ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ ነዚ ድማ መሓዙት ኣካላት ዘሳተፈ ቅድመ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment