ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኸ ቻምበር ዱባይ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስፋሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኸ ቻምበር ዱባይ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምስፍሕፋሕ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ።

ኮሚሽነር ኮሚሽንኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ለሊሴ ነሜ÷ ምስ ተወካሊ ዓለምለኸ ቻምበር ዱባይ ኣብ ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪካ ካሊድ አል ዓሊ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ጥንኩር ምሕዝነት ብምፍጣር ዕድል ኢንቨስትመንትን ኣማራፂታትን ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ዱባይ ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቲ ዞባ ዝመፅእ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምውሳኽ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በፂሖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment