ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ፕሮጀክታት ፋርማሲዩቲካልስ፣ ፋብሪካ መዕሸጊ ፍርያትን ፓርክ ኢንዱስትሪን ንምስላጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሕዚ ዝተፈረመ ስምምዕነት፥ ሓደ ኣካል ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ዑደት ከምዝኾነ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ቂሊንጦን ቦሌ ለሚን ፋብሪካ ፋርማሲዩቲካልስን መዕሸጊ ፍርያትን ንኸሃንፁ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስመንት ሌሊሴ ነሜ፥ መንግስቲ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንምድንፋዕ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፀን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment