ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ኩባኒያ መዓድን እንግሊዝ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኬፊ ምስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ኣፍራዪ መዓድናት ወርቂን መዳብን እንግሊዝ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ኬፊ መዓድናት ወርቂን መዳብን ዘፍሪ ኩባንያ እንትኸውን÷ 320 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ልምዓት መዓድን ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ንምግባር ኢዩ ምስቲ ኮሚሽን ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ኩባንያ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምስ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈራረመ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ስምምዕነት÷ ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ፎረም ኢንቨስትመንት “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ዝተኻየደ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment