ኮሚሽን ብሄራዊ ዘተ ምስ ኣካላት መሓዙት ልምዓት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ብሄራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት  ትካል ልምዓት (ዩኤን.ዲ.ፒ) ኣቢሎም ሓገዝ ምስ ዝገብሩ ኣካላት መሓዙት ልምዓት ተዛቲዩ።

ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)÷ እቲ ኮሚሽን ምስቲ ትካል ድሕሪ ዝገበሮ ራብዓይ ዙር ዘተ ዝወገኖም ዓበይቲ ተግባራት ብዝምልከት ንተሳተፍቲ ገለፃን መብርሂን ሂቦም፡፡

እቲ ገለፃ ዝተኸታተሉ መሓዙት ልምዓት ዝቐረበ መብርሂ መበገሲ ብምግባር ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣልዒሎም፡፡

እቲ ኮሚሽንን ኣብ ዙሪያ እቲ ዘተን ካብ ተሳተፍቲ መሓዙት ትካላት ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ምላሽን መብርሂን ከምዝሃበ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment