ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ሓዱሽ ዘዳለዎ ኣርማ እቲ ትካል፣ ደምቢ ክዳንን መዓርግን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ሓዱሽ ዘዳለዎ ኣርማ እቲ ትካል፣ ደምቢ ክዳንን መዓርግን ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዝዋይ ኣመሪቑ

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ጄነራል ዳመነ ዳሮታ፣ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ቤት ህንፀታት ፌዴራልን ክልላትን፣ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራላትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣብ ዝግበርን ምስ ዕላማን ልኡኽቶን እቲ ትካል ሓቢሩ ዝኸይድ ደምቢ ክዳን ኣባላት ፖሊስ ቤት ህንፀት፣ ደረጃ ፅሬቱ ዝሓለወ መዓርግን ሊሻንን፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፅቡቕ ርክብን ሓድነትን ብዝፈጥርን ክብሪ ኣባላት ፖሊስ ቤት ህንፀት ዝሕሉን ተገይሩ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ክዳውንቲ ኣብ ቀፃሊ ዝሰርሖም ስራሕቲ ቅድሚ ሕዚ እናሰርሖ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ተበግሶን ሓላፍነትን ንኽርሕ ናይ ባዕሉ ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎ፡፡

ብፍቅሩ ቅደመው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment