ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ምዕራፍ ዘተ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ምዕራፍ ዘተ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት

  • 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 2 ሺሕ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምውካል ዝሳተፉ ተሳተፍቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተረኺቦም ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዕራፍ ዘተ ጀሚሮም፡፡
  • ካብ 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ተሳተፍቲ በቢክፍሊታት ሕብረተሰቦም ብምዃን ካብ ማሕበረሰብ ክፍሎም ብሓደራ ኣብ ዘምፅኡዎም ናይ ኣጀንዳ ሓሳባት ዘተ እናገበሩ ይርከቡ፡፡
  • ሎሚ መዓልቲ 22 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ በቢ ክፍሊታት ማሕበረሰቦም ዘተ እናገበሩዎ ዝነበሩ ተወከልቲ ዝስማዕምዑሎም ናይ ኣጀንዳ ሓሳባት በቢክፍሊ ማሕበረሰቦም ብቃለ-ጉባኤ ኣደጊፎም ነቲ ኮሚሽን ቐቕርቡ፡፡
  • ተወከልቲ ኣብ ኣጀንዳ ሓሳቦም ምስ ተዛተዩ ኣብ ቀፃሊ መድረኻት ዘተ ሓሳቦም ብውክልና ዘቕርቡሎም 121 ተወከልቲ ዝመርፁ እንትኾኑ÷ እዚ ድማ ክሳብ 23 ግንቦት 2016ዓ.ም ከምዝቕፅል ትፅቢት ይግበር፡፡
  • ኣብ ላዕሊ ብዘሎ መድረኽ ማዕዶ ንማዕዶ ፅባሕ 23 ግንቦት 2016 ዓ.ም ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ተወከልቲ ማሕበራትን፣ ካብ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ዝተወከሉ ተወከልቲ ከምኡ እውን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባት ኣብ ኣዳራሽ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝራኸቡሉ መድረኽ ክህሉ ኢዩ፡፡
  • ኣብቲ መድረኽ እዞም መዳርግቲ ኣካላት ነንባዕሎም ዝፋለጡሎም ኣጋጣሚታት ክህልዉ ኢዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ ዘተ ምዕራፍ ኣድላዪ ገለፃን መብርሂን በቲ ኮሚሽን ይወሃቦም፤ ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ትፅቢት ዝግበረሎም ስራሕቲ ግንዛበ ዝፈጥር መርሃ-ግብሪ ከምዝሰናደአሎም እውን ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment