ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቱ ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ እዋናዊ ተግባራት ብዝምልከት ብኮሚሽነራት ገለፃን መብርሂን ተገይሩ።

ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ሶፊ ኢመስበርግር÷ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ዘተ ብምንኣድ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓን ዝጀመሩዎ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት እቲ ኮሚሽን ናፅነቱን ዘይሻራዊነቱን ብዝሓለወ መልክዑ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment