ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ምስ ዓበይቲ ዓዲ ይላዘብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ንምምፃእ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ይላዘብ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ምስ ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ እናተላዘበ ይርከብ፡፡

ዓበይቲ ዓዲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ሃገር ብዘጋጥሙ ዘይምርድዳኣት ባህሊን ወግዒን ከምኡ እውን እምነት ብዝሓለወ መልክዑ ንሰላም ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ፤ ዋና ኮሚሽነር እቲ ሃገራዊ ምኽክር መስፍን ኣርኣያ ተዛሪቦም፡፡

ባህሊ ሽምግልና ሓደ መግለፂ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር÷ ሕዚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ዛቒ ሰላም ንምግባር ዓበይቲ ዓዲ ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክባቢታት እታ ሃገር ዝረአዩ ጎንፂታት ንምፍታሕ ዓበይቲ ዓዲን እቲ ኮሚሽንን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ተሓሩ፡፡

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment