ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ምስ ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልላት ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ምስ ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልላት ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ይዛተ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ውሽጢ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኩሎም ክልላትን ብሄር ብሄረሰባትን ክሳተፉ ንምግባር ጥንኩር ተግባር እናተሳለጠ ይርከብ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልላት ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ መተኣኻኸቢ እታወት እናካየደ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ተፃብኦን ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ብዙሓት ክብሪታት ዘለዉዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ ፕሮፌሰር መስፍን÷ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኽዕወት ናይ ኩሎም ዜጋታት ተሳትፎ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

ህዝቢ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብር ንህዝቢ ቀረባ ዝኾኑ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ እውን ሓቲቶም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment