ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃራዊ ምኽክር ብግቡእ ምጥቃም እንተተኻኢሉ ዝጠንከረት ኢትዮጵያ ንሃንፀሉ ዕድል ኢዩ ክብሉ ሙሁራን ገሊፆም።
ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህርን ተመራማሪን ፖለቲካል ሳይንስ ረዳት ፕሮፌሰር ኣንዳርጋቸው ተስፋሁን÷ “ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ምጥያሽ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ቀንዲ ስራሕ ኢዩ ለውጢ ዘምፅእ” ኢሎም።
ኣብቲ ኮሚሽን ምኽክር ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ተገይሩ ምስራሕ እውን ንዝድለ ውፅት ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ከይዲ ካብ መጀመርትኡ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ከምዘይዕንቅስ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ መምህር ተመራማሪን ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ኣይተ ሱራፌል ጌታሁን ብግደኦም፥ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ብምፅራሕ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ሓደ መግለፂ ስልጣነ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።
ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ኩለመዳይ ፀገማት ኢትዮጵያ ዝፍትሑሉን ዓቢዪ ውፅኢት ዝመፅሉን ከምዝኸውን ጅማሮ እቶም ከይዲታት ከምዘርእዩ እውን ገሊፆም።
እቶም ሙሁራን ኣብ መብርሂኦም፥ እቲ ኮሚሽን ስራሕ ንኽስራሕ ሕብረተሰብ ምሕጋዝን ኣብ ጎኒ እቲ ኮሚሽን ደው ክብል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።