ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብምክትል ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ዡ ዳቶንግ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ዕዮኦም ብምቕባል ኣዘራሪቦም።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ፥ መንግስቲ ቻይና ንፖሊስ ኢትዮጵያ በዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሙያ ዕድል ትምህርቲን ስልጠናን ይህብ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ኣመስጊኖም።
ብተዛማዲ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈሩሎም ስራሕቲ ልምዓት ጉድኣት ንከየጋጥሞም ፖሊስ ኣድላዪ ሓለዋ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣዲስ ኣበባ ሕብረት ኣፍሪካን ዲፕሎማት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝቕመጡላ ብምዃና ፀፅታኣ ኣተኣማማኒ ንክኸውን ዝኸኣለ ፖሊስ፣ ኣካላት ፀፅታን ህዝብን ብምትሕብባር ብምስርሖም ኢዮም ኢሎም።
ምክትል ሚኒስትር ዡ ዳቶንግ ብግደኦም፥ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቻይና ድሕንነቶም ንክሕሎ ምስ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ተቐራሪብካ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።