ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ከም ትካል ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብ 2016 ዓ.ም ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ መዛሚ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2016 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኣብ ሓፈሻዊ መምርሒ ምክልኻ ገበን፣ ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን፣ ሓፈሻዊ መምርሒ ልምዓት ምሕደራን ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ኣብ 2016 ዓ.ም ከም ትካል ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።

ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን እናተጓተቱ ዝመፅኡ ናይ ምርመራ መዝገባት ኣብ ምንካይን ፀገም ፀፅታ ንምፍጣር ዝንቀሳቐሱ ራዕዳውያንንነ ፅንፈኛ ሓይሊታትን ዝፍፅሙዎም ገበናት ተኸታቲሉ ብሞያዊ ብቕዓት መርሚሩ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዘዕግብ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ገሊፆም፡፡

ዓቕሚ ኣመራርሓ እቲ ትካል ኣብ ምዕባይ ድማ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ኣብ ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ዝተፈላለዩ ትምህርቲን ስልጠናታትን ከምዝወሰዱ ሓቢሮም፡፡

ብዓቕሚ ቴክኖሎጂ እውን ከም ሃገርን ከም ኣህጉርን ብዙሕ ዘይተለመዱ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂ ናብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ሓበሬታ ፖሊስ ፌዴራል ኣመልኪቱ፡፡

Comments (0)
Add Comment