ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኪሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ዝነበሩ ኣይተ ምትኩ ካሳ ምስ ዳይሬክተር ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቭሎፕመንት ኣሶሴሸን የማነ ወ/ማሪያምን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ብምስጥጣር ብሽም ተሓገዝቲ ነቲ ኣሶሲየሽን ካብ ዝተውሃበ ሓገዝ እኽሊን ናውቲን ተተሓሒዙ ብዝተፈፀመ ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ናይ ምቕራብን ገበን ምዃኑ ፖሊስ ኣብ ዝለኣኾነ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ብመሰረት ዝገበሮ ስራሕቲ ምፅራይ፥ ዝረኸቦም ናይ ሰነድን ሰብን መረዳእታት ዕላዊ ገይሩ።
ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ብዳይሬክተር ጀነራል ዓቃቢ ሕጊ ገበን ግዕዝይና ዓቃቢ ሕጊን ብኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ቢሮ ምርመራ ገበን ኣይተ ምትኩ ካሳ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቭሎፕመንት ኣሶሴሸን የማነ ወ/ማሪያምን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ዘይተገበአ ርክብ ጥቕሚ ብምፍጣር ብሽም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዘየለዉ ተሓገዝቲን ከምኡ እውን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብምግናን ንብዙሕ እዋን ካብመኽዚን እኽሊን ምግቢን ምሰውፅኡ ንተሓገዝቲ እንተይበፅሐ ንፋብሪካታት ሕሩጭን ካልኦት ውልቀሰባትን ብሚሊየን ብር ብምሻጥ ዘይሕጋዊ ረብሓ እናረኸቡ ከምዝነበሩ፣ ነዚ ስረሖም ድማ ኣይተ ምትኩ ካሳ ብሽም ስድረኦም ካብ ትካል ኤልሻዳይ ብዝተፈላለዩ እዋናት ብሚሊየን ብር ዝግመት ጥቕሚ እናረኸቡ ከምዝነበረ ብመረዳእታ ተረጋጊፁ ኢዩ፡፡
ምስዚ ተተሓሒዙ እውን ዋና ኦዲተር ፌዴራል ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብን ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብቲ ጉዳይ እናሳለጦ ዝፀንሐ ምርመራ ኦዲት ተዛዚሙ ዝመርሖ ኣካል ዕላዊ ገይሩ፡፡
ምርመራ እናተፃረየሎም ዝርከቡ ተግባራት ገበን
– ዘየለዉ ተሓገዝቲን ከምኡ እውን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብምግናን ምግቢን ምግብ ተንከፍ ዘይኮኑ እኽሊን ናውቲን ካብቲ ኮሚሽን ብምውሳድ ንተጎዳእቲ እንተየብፅሑ ብምሻጥ ንውልቀ ረብሓ ምውዓል
– ሓገዝን ልቓሕን ብዝብል ሰበብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብቲ ኮሚሽን ብኣማኢት ሚሊየን ዝቑፀሩ ኣቕራሽ ነቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ብጥረ ገንዘብ ምሃብ፣
– ኤልሻዳይ ምስ ዝተብሃለ ትካል ነቶም ኮሚሽነርን ስድረኦምን ዝተዓደጉ ገዛውቲ፣ መኻይን፣ ገንዘብና ካልኦት ምትእስሳራት ጥቕሚን፣
ብዘይግቡእ ብሽም ካልኦት ተሓገዝቲ ከምኡ እውን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብምግናን ካብቲ ኮሚሽን ወፃእ ተገይሩ ንትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ዝተውሃበን ንውልቀ ረብሓ ዝወዓለን ሓፈሻዊ መጠን፣
Ø 472 ሚሊየን ብር
Ø ፍርቂ ቢሊየን ብር ዝግመት 512 ሺሕ ኩንታል ስርናይ
Ø 34 ሺሕ ኩንታል ምሸላ ባሕሪ
Ø 77 ሺሕ ሊትር ዘይቲ
Ø 4 ሺሕ ኩንታል ሩዝ 4 ሺሕ ኩንታል ሩዝ ክልቲኦም ኣካላት ብምስጥጣር ንውልቀ ረብሓ ውዒሉ፡፡
ዋና ዳይሬክተር ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቭሎፕመንት ኣሶሴሸን የማነ ወ/ማሪያምን ተሓባበርቱን ብሽም ተጎዳእቲ ካብ ዝወሰዱዎ እኽሊን ናውቲን ንተሓገዝቲ እንተየብፀሑ ንውልቀ ረብሓ ከምዘውዓሉ ዘርእዩ ብዙሓት መረዳእታታት ዕላዊ ፖሊስ ገይሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com