ኮሚሽነራት ፖሊስ ኢትዮጵያ ፍሉይ ህፁፅ ጉባኤ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነራት ፖሊስ ኢትዮጵያ ፍሉይ ህፁፅ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤልን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽንን ከምኡ እውን ኮሚሽነራት ኮሚሽን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም።

ኣብቲ ጉባኤ መንግስቲ እናወሰዶ ኣብ ዝርከብ ወፍሪ ህልውና ዝተረኸቡ ዓወታት፣ ኣፈፃፅማን ኣብ ቀፃሊ እቲ ወፍሪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ዘድሃበ ልዝብ ክግበር ኢዩ።

ኮሚሽነራት ኮሚሽን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፈፃፅማ ግቡእ ኣመልኪቶም ብዘቕርቡዎ ፀብፃብ ልዝብ ክግበር ኢዩ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment