ኮሚሸን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብስሩዕ ስልጠና ፖሊስ ሳይንስ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 100 ፖሊሳት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሸን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብስሩዕ ስልጠና ፖሊስ ሳይንስ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 100 ፖሊሳት ኣመሪቑ።

እቶም ፖሊሳት ብሓሙሽተ ኣዋርሕ ብብቕዓት ኣካል፣ ቴኳንዶ፣ ኣድማ ብተና፣ ወተሃደራዊ ሰልፍን ምርመራ ገበንን ዝሰልጠኑ ኢዮም ተባሂሉ።

ካብ መንጎ እቶም ተመረቕቲ እተን 617 ደቂ ኣኒስቲዮ ከምዝኾና እውን ተሓቢሩ።

እቶም ተመረቕቲ ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ፥ ሃገር ብጀግንነት ንምሕላውን ብሰብኣዊነት ንምግልጋልን ዓሊሙ ሕገ መንግስታዊ ትምህርቲ ዝተውሃቦም ኢዮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ብሰላም ንክዛዘም ልዑል ግደ ከምዘለዎም እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment