ኮል ፓልመር ብሉፅ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ እዚ ዓመት ተሸላሚ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ኮል ፓልመር ብሉፅ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዓመተ 2023/24 ብምዃን ተዓዊቱ፡፡

ወዲ 22 ዓመት ኮል ፓልመር ብህዝቢ ብዝተገበረ መረፃ ንተፃዋታይ ጋንታ ሪያል ማድሪዱን ጁድ ቤሊንግሃምን ተፃዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ቡካዮ ሳካን ብድምፂ ብምብላፅ ኢዩ ክዕወት ክኢሉ፡፡

ፓልመር ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንፈለማ እዋን ዝተፃወተ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እንግሊዝ ንማልታ 2 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ እንትኸውን÷ ዩሮ 2024 ሓዊሱ ንሃገሩ ትሽዓተ ፀወታታት ተሰሊፉ፡፡

ኮል ፓልመር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብፍሉጥ ማሕበር ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ (ፒ ኤፍ ኤ) ናይዚ ዓመት ብሉፅ መንእሰይ ተፃዋታይ ከምኡ እውን ብሉፅ ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ እዚ ዓመት ሽልማት ምውሳዱ ይዝከር፡፡

Comments (0)
Add Comment