ኮሌጅ ኣዘዝትን ስታፍን ምክልኻል ሃገር ዘሰልጠኖም ላዕለዎት መኮነናት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ኣዘዝትን ስታፍን ምክልኻል ሃገር ንመበል 14 ዙር ብወታደራዊ ኣመራርሓ ዘሰልጠኖም ላዕለዎት መኮነናት ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ጠቅላይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ኣደም መሓመድ፥ ተመረቕቲ ሉኣላውነትን ደሕንነት ህዝብን ንምሕላው ወታደራዊ ኣመራርሓ ኣብ ፍልጠት ተደሪኾም ሃገርን ህዝብን ከገልግሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሸቶ ህንፀት ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ምኩሻሕ ዝኽእል ፅኑዕ ሓይሊ ምህናፅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ላዕለዎት መኮንናት ቁፅሮም 90 እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም 18 ካብ ሓሙሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመፅኡ ኢዮም ተባሂሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment