ኮሌጅ ቴክኒክ ፖሊ ተግባረ-ዕድ ኣዲስ ኣበባ መበል 80 ዓመቱ ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሩያት ሰብ ሞያን ዓበይቲ ሰባትን እናምሀረ ዝነበረ ኮሌጅ ቴክኒክ ፖሊ ተግባረ-ዕድ ኣዲስ ኣበባ መበል 80 ዓመቱ ሎሚ መዓልቲ ኣኽቢሩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪሃት፤መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡

ወይዘሮ ሙፈሪሃት፥ እቲ ከሌጅ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዘመረቑዎም መናእሰያት ሰብ ሞያ ብዝውህብዎም ኩሉ ዝሓቖፈ ግልጋሎታ ብሃገር ደረጃ ንትካላት መሰልጠኒ ቴክኒክና ሞያ ዘለና ትሑት ኣረኣእያ ክቕይሮ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ሞያን ብዓልሞያነትን ዘኽብርን ብቑዕ ሰብ ሞያ ንክፍጠሩ ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤መሰረታዊ ሕቶታት መምህራንን ሰልጠንቲን ንምምላስ ተዋዲዱ ክሰርሕ እዩ እውን ኢለን፡፡

 

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ኮሌጅ ቴክኒክ ፖሊ ተግባረ-ዕድ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ሰብ ሞያ ከምዝፈጠረ ኣልዒለን፡፡

ውሩይን ንሃገሩ ብዙሕ ዝሰርሐን ኮሌጅ ቴክኒክ ፖሊ ተግባረ-ዕድ ሎሚ መዓልቲ መበል 80 ዓመት ብዓል ከብዕልብምኽኣሉ ንመላእ ማሕበረሰብን ቤተሰብን እቲ ኮሌጅን መልእኽቲ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ከምዘመሓላለፉ ካብ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment