ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ፓዊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት ሓገዝ ንምግባር ጉጅለ ሕክምና ምፍናው ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ፓዊ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተኸፈተ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት ሓገዝ ሕክምና ንምግባር ፍቓደኛ ንዝኾኑ ኣባላት ጉጅለ ሕክምና ምፍናው ገይሩ።

11 ኣባላት ዘካተተ ጉጅለ ሕክምና ናብ ከተማ ባህርዳር ብምቕናዕ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል እዚ ሰሜን ምዕራብ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ወለንታዊ ስራሕ ከምዝሰርሑ ዲን ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ፓዊ ኣይተ ኣጋጀ ኣለማየሁ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ሕክምና ሞያዊ ሓገዝ ካብ ምግባር ሓሊፉ ልዕሊ 200 ሺሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ኣልባሳትን ዝተፈላለዩ ኣፋውስን ናብቲ ቦታ ሒዙ ከምዘምረሐ እቶም ዲን ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብግደኦም ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዘፈር ሞያ ንኅብሪ ሃገር ክብሉ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣካላት ኣድላዪ ሓገዝ ብምግባር ሃገራዊ ግቡኦም ንምውፃእ ቆራጣት ከምዝኾኑ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ መተከል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment