ኮሌጅ  ሕክምና ሚሊኒየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ኣገልግሎት ናፃ ምርመራ ጥዕና ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ  ሕክምና ሚሊኒየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ን50 ሺሕ ሰባት ኣገልግሎት ናፃ ምርመራ ጥዕና ንመሃብ ዘኽእሎ መርሃ ግብሪ ከምዘጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ መርሃ-ግብሪ ዝካየድ “ወለንታዊነት ንጥዕናና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘጀመራሉ እዋን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብቲ ማእኸል ምርመራ ብምርካብ ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጠን፡፡

Comments (0)
Add Comment