ክፍለ ከተማ ጉለሌ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር ዝግመት ስንቂ ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክፍለ ከተማ ጉለሌ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር ዝግመት ወፃኢ ብምግባር 265 ሰንጋ ኣብዑርን ካልኦት ሓገዝ ዓይነትን ገይሩ።

እቲ ሕገዝ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ መለስ ኣለሙን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ኣይተ ኣባወይ ዮሃንስን ንኣካቢ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ኣስረስ ኣያሌው ኣረኪቦም።

ኣይተ መለስ ኣለሙ፥ ሃገር ናፅነታ ንምቕፃል ሕዚ ዘሎ ትውልዲ ከም ኣባሓጎታቱ ተቃሊሱ ሉኣላዊነታ ዘረጋግፀላ ምዕራፍ ከምትርከብ ገሊፆም።

ኩሉ ዜጋ ከባቢኡ ከምኡ እውን ሃገሩ ብንቕሓት ንኽሕሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ኣባወይ ዮሃንስ ብግደኦም፥ ኣብ ዓሰርቲአን ወረዳታት እታ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ነበርቲ 60 ሚሊየን 154 ሺሕ ብር ብምትእኽኻብ፤ 265 ሰንጋታት ሓዊሱ ልዕሊ 600 ኣባጊዕ፣ ኣጣልን ካልኦት ሓገዝ ዓይነትን ምትእኽኻቦም ገሊፆም።

ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ እታ ክፍለ ከተማ እውን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ንምፅምባር ናብ ስልጠና ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።

ብርጋዴር ጀኔራል ኣስረስ ኣያሌው ብግደኦም፥ እቲ ክፍለ ከተማ ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment