ክዳን ፈላሲ ተኸዲኑ እናጭበርበረ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፤ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ክዳን ፈላሲ ተኸዲኑ እናጭበርበረ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮማንደር ታዬ ሃብተጊዮርጊስ፥ 27 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብታ ከተማ ቀበሌ 2 ከባቢረፋድ ሰዓት ኣርባዕተ ክዳን ፈላሲ ተኸዲኑ ዝተፈላለዩ ልኡኽቶታት ንምፍፃም እናተንቀሳቐሰ ከምዝነበረ ሓደ ውልሰብ ብሓበሬታ ማሕበረሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ሓበሬታ እናተፃረየ ይርከብ ኢሎም፡፡

እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትውዕል ክዳን ፈላሲ ተኸዲኑ ዳዊት ተክለኣብ ወልደኣማኑኤል ዝብል ታሴራ ምምሕዳር ከተማ ኣረርቲ ምንጃር ሸንኮራ ብመሓዝ ኣብታ ከተማ ስልጠና ሚሊሻ ዝውሰደሉ መለለዪ ሒዙ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ብዝተገበረ ምፅራይ ግን ተጠራጣሪ ውልቀሰብ ዝተወለደሉ ቦታ ወረዳ ጣርማ በር ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ክህነት ሃይማኖት ከምዘይብሉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ከምዝተረጋገፀ እውን ምግላፆም እውን ካብ ኮሙዩኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ደብረ ብርሃን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment