ክኸፋፍሉና ዝመፅኡ እኩይ ድምፅታት ብሓባር ክንስዕሮም ኢና-ወ/ሮ አዳነች አቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክኸፋፍሉና ዝመፅኡ እኩይ ድምፅታት ብሓባር ክንስዕሮም ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ አዳነች አቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን፥ ብሓድነትን ፅንዓትን ደው ክንብል ኢና፤ ኢትዮጵያ ምስዓር ፈፂሙ ኣይከኣልን ኢለን።

ብተፈጥሮ ሃፍታን ፈጣሪ ብዝለገሰላ ፀጋን ዓይኖም ዝቐይሐ ሓይሊታት ምስ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ብምትሕብባር ናይ ብተናን ምክፍፋልን ድምፅታት የስምዑ ኣለዉ ኢለን።

ብብዙሕ ዋጋን መስዋእትነትን ኣብ ናትና ኢድ ዝበፅሐት ኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንህብን፤ ብሓድነትን ፅንዓትን ደው ክንብል ኢና፤ ምትሕብባርና ሰዓራይ ኢዩ ኢለን።

እቶም ናይ ብተና ድምፅታት ክዳኸሙ ኢዮም፣ ኣብ ልዕሊ ሃገረይ ዝተኸፈቱ ኣንደበታት ክዕፀዉ ኢዮም፣ ኢትዮጵያና ክትስዕር ኢያ ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment