ክታበት ሲኖቫክ ንሃንደበታዊ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ረብሓ ንክውዕል ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ቻይና ክታበት ሲኖቫክ  ንሃንደበታዊ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ረብሓ ንክውዕል ኣፍልጦ ሂቡ።

እቲ ክታበት ምልክት ንዘርኣዩ 51 ሚኢታዊ፣ ልዑል ምልክት ንዘርኣዩ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝከላኸል ተገሊፁ።

ይኹን እንበር ብሓፈሻዊ ውፅኢቱ ርግፀኛ ኣብ ምዃን ክፍተታት ሓበሬታ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣፍልጦ ክታበት ኮቪድ 19 ብፍትሓውነት ንምብፃሕ ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ክታበት ሲኖቫክ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ረብሓ ዘውዕል ዘሎ እንትኸውነ፥ ዐድምኦም ልዕሊ 18 ንዝኾኑ ሰባት ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙናት ብዘሎ ኣፈላላይ ዝወሃብ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment