ክታበት ሞዴርና ቫይረስኮሮና ኣብ ኣሜሪካ ኣፍልጦ ክረክብ ናብ ዘኽእሎ ብርኪ ይበፅሕ ምህላዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክታበት ፋይዘር ናብ ተግባር ድሕሪ ምእታው ኩባኒያ ኣሜሪካ ዘፍረዮ ክታበት ሞዴርና’ውን ፍቓድ ክረክብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ሞዴርና 94 ሚኢታዊት ኮሮናቫይረስ ክከላኸል ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ቀረባ ናብ ተግባር ንክኣቱ ዕድል ዝህቦ ምዃኑ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት በዓል መዚ ክትትል መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ውሕስና እቲ ክታበት ኣረጋጊጹ እንተኣጽዲቑዎ፡ ኣብ ዓለም ኻልኣይ ኣፍልጦ ዝረኸቦ ክታበት ክኸውን እዩ።

ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣመሪካ ልዕሊ 300 ሸዕሕ ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ከም ዘሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ የመልክት።

ክታበት ሞዴርና፡ ተመራመርቲ ንኽልተ መዓልታት ዓᎁቕ ምርምር ድሕሪ ምክያዶም፡ ፍቱን’ዩ ዝብል ሰርተፊኬት ከምዝተወሃቦ ይፍለጥ።

እዚ 54 ገጽ ዝሓዘ ሰነድ ከም ዝብሎ ሞዴርና ዝተጋነነ ጎናዊ ሳዕቤን የብሉን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኻልኦት ተመራመርቲ መርመራ ምስገበርሉ ድማ ዳይሬክተር በዓል መዚ ምቁጽጻር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ክፍርመሉ ትጽቢት ይግበር።

ብድሕሪኡ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክበጽሕ ክግበር እዩ።

እዚ ክታበት፡ ኣብ 30 ሽሕ ሰባት ፈተነ ብምግባር ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ 94.1 ሚኢታዊት ውጸዕኢታዊ ምዃኑ ይእመን።

ጎናዊ ሳዕቤናት እቲ ክታበት ካብ ሞንጎ ዝተባህሉ ረስኒ፣ ሕማም ርእስን ውሱን ቓንዛ መገጣጠሚ ኣዕጽምትን ጥራሕ እዮም።

ሞዴርና፡ ብ2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝቖመ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብበዓል መዚ መግብን ኣፋውን ዋላ ሓደ መድሃኒት ጸዲቑሉ ኣይፈልጥን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment