ክብርት ዶ/ር ኣበበች ጎበና ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክብርት ዶ/ር ኣበበች ጎበና(እዳዬ) ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን።

ኣፍሪካዊት ማዘር ቴሬዛ ብዝብል ስያመ ዝፍለጣ  ዶ/ር ኣበበች ጎበና፥ ንደቂ ሰባት ክብሪ ብምሃብ ወለዶም ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ንዝሰኣኑ ክንዲ ኣቦን ኣደን ብምዃን ዝሓገዛ ኢየን።

ናብ ጎደና ዝወፅኡ ህፃናት እናሓፀባ፣ እናመገባ፣ ኣምሂረን ንቑምነገር ዘብቀዓ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ክብርት ዶ/ር ኣበበች ጎበና (እዳዬ) ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ክትእል ሕእምና ክገብራ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ንጎሆ ካብዚ ዓም ከምዝተፈለያ ተገሊፁ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሕልፈት ህይወት ክብርት ዶ/ር አበበች ጎበና ሞት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ነብተሰብን ተውቲን ምፅዕናዕ ይምነ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment