ክብሪታት ፊቼ ጨምበላላ ንፀገማትና መፍትሒ ብምግባር ክንጥቀመሉ ይግባእ – ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክብሪታት ፊቼ ጨምበላላ ዝኾኑ ዕርቂን ይቅርታን ንፀገማትና መፍትሒ ክንጥቀመሎም ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

ድሮ በዓል ፍቼ ጨምበላላ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ እንትኸውን÷ ሲምፖዚየም ባህሊ፣ ቋንቋን ታሪኽን ሲዳማ ርእሰ ምምሕዳር ክልሉ ደስታ ሌዳሞ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተወለድቲ እቲ ብሄርን ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተኻደ ይርከብ።

ኣይተ ደስታ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ፍቼ ጨምበላላ ጠቐምቲ ክብሪታት ዝሓዘ ብምዃኑ÷ ሓሊኻ ምፅናሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣብ ዘይዘመነሉ እዋን ኣቦታ ሲዳማ ንተፈጥሮ ብምንባብ ግዘ የስልሑ ነይሮም ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ እቲ ስርዓት ናይ መዓልቲ፣ ሰዓታትን ዓመታትን ስልሒት ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ በዓል ምትሕብባርን ፍቕሪን ዘንፀባርቕን ጃብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፉ ቁምነገራትን ከምዝሓዘ እውን ገሊፆም።

ክብሪታት ፍቼ ጨምበላላ ሃገርና ኮነ ዓለም እንተዝጥቀሙሉ ዘትርፉሉ ኢዩ ብምባል፤ እቲ በዓል ብዝበለፀ ንምፍላጥን ንምዕባይን ምስራሕ ክዘድሊ ኣገንዚቦም።

ብደብሪቱ በዛብህ፣ ብርሃኑ በጋሻውን ኣፈወርቅ እያዩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment