ክብሪታት ኢትዮጵያ ንበፃሕቲ ዘፋልጥ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓሞቕቲ ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ክብሪታት ኢትዮጵያ ንኣሜሪካውያን በፃሕቲ ዘፋልጥ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።

ዕላማኡ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘለዋ መስሕብ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ምፍላጥን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሪን ግንዛበ ንምፍጣር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምክትል መራሒ ሚሲዮን ኣምባሳደር ዘላለም ብርሃን ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ቅሪት ኣካል ሉሲ ወይ ድማ ድንቅነሽ፣ ጥንታዊ ስልጣታት፣ ኣቆፃፅራ ዘበን፣ ቡን፣ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዘገቡ ሓድጊታትን ካልኦት መስሕባትን ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ከብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ እሳተ ጎሞራ፣ ባህላዊ ምስሊ ኮንሶ፣ ሃፍቲ መጥበውቲ እንስሳን ኣዕዋፋታን ከምኡ እውን ምልክት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ሓዊሱ ጥንታዊት ሃገር ኣፍሪካ ከማዝኾነት እውን ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ምድላው ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ብዙሓት ባህሊታትን ባህላዊ ምግቢታትን ዝርከቡዋ ሃገር ምዃና ብምሕባር፤ እቲ መድረኽ ሓድጊታታት ንምፍላጥን ንምርዳእን ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ዑደት ክገብሩ ከምዝደልዩ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment