ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቁልቢ ብሰላም ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ሜታ ሎሚ መዓልቲ ዝተኸበረ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቁልቢ ብሰላም ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብሰላም ንኽዛዘም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣቦታት ሃይማኖትን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ከምኡ እውን ኣብቲ በዓል ልዑል ሓለዋ ድሕንነት ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ካብ ዕዱማት እቲ በዓል ሞባይላትን ዝተፈላለዩ ናውቲን ብምስራቕ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ብዝፈፀሙዎ ገበን ጥፍኣተኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ኣብ ዝተጣየሸ ጊዜያዊ መጋባእያ ቀሪቦም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 2 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ዝበፅሕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ከምዝተወሰነሎም እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment