ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቁልቢ ብሰላም ንክኽበር እኹል ምድላው ተገይሩ- ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቁልቢ ብሰላም ንክኽበር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን 19 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ዝኽበር እቲ በዓል ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ብምትሕብባር እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ልሙድ ባህሊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ክገብርን ንፀፅታን ሰላምን ዘስግኡ ኩነታት እንትዕዘብ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ ብህፁፅ ሓበሬታ ንክህብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment