ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚሊየን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ 23 ሓምለ ልዕሊ 3 ሚሊየን ኩንታል ተወሳኺ ዘመናዊ ዱኽዒ ካብ ወፃኢ ዓዲ ክጎዓዓዝ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ክብል ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ዘበናዊ ዱኽዒ፥ 2 ሚሊየንን 485 ሺሕን ኩንታል ዩሪያ፣ 600 ሺሕ ኩንታል ኤን ፒ ኤስን 600 ሺሕ ኩንታል ኤን ፒ ኤስ ቦሮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ካብ ዝዓደጎ 15 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ፥ ክሳብ 3 ሓምለ 10 ሚሊየንን 275 ሺሕን 320 ኩንታል ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምዝተጎዓዓዘ ተገሊፁ።
ትማሊ 600 ሺሕ ኩንታል ኤን ፒ ኤስ ቦሮ ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።