ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ታሕሳስ 75 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ንምእታው እናተሰርሐ ምዃኑ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ምእታው ኣመልኪቱ መንግስታዊ ምስ ዘይኮኑ ትካላት ይዝቲ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ኮሚሽ ሻንቆ ደለለኝ÷ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ናይ ምትእታው ስራሕ ብዓወት ንኽዛዘም ሓገዝ መሓዙት ኣካላት ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝቕፅል ዓመት መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን 50 ሺሕ ዝኾኑ ካብ ክልል ትግራይን ዝተረፉ 25 ሺሕ ድማ ካብ ካልኦት ክልልላት ናብ ማእኸላት ንምእታው ከምዝተሃቀነ ኣልዒሎም፡፡
ዝሰናበቱ መበር ተዋጋእቲ ብዘላቕነት ምስ ማሕበረሰብ ክፅምበሩን ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ህንፀት ዴሞክራሲን ንኽሳተፉ ከምኡ እውን ብዘላቒነት ናብ ሰላማዊ ናብራ ንኽምለሱ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፌዴሪኢ ከምዝሰርሕ ይፍለጥ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com