ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ብመሰረት ዝተገበረ ርብርብ ክሳብ ትማሊ ብሓፈሻ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
“ኣሰርና ንትውልድና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝትከል ዘሎ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2014 ዓ.ም ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።
ኣብ ሓደ ፀሓይ መርሃ ገብሪ ተኸላ ፈልሲ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 469 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፈልሲታት፣ ኣምሓራ 263 ነጥቢ 15 ሚሊየን ከምዝተተኽለ ተገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ሓደ ፀሓይ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም 100 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዘተትሓዘ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።