ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዝራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክዛዝም ኢየ – ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ኦሮሚያ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኢትዮጵያን ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ንምዝዛም ከምዝሓሰበ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)÷ እናተሰርሑ ዝርከቡን ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዝተሓሰቡን ተግባራት ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ካብ 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክልል ሲዳማ እናተኻየደ ዝርከም ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ፅባሕ ብምዝዛም ዝተወደበ ኣጀንዳ ናብቲ ኮሚሽን ከምዝለኣኽ ኣመልኪቶም፡፡

እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንምክያድ ድሉው ከምዝኾነ ብምርግጋፅ÷ ኩነታት እንትመዓራረዩ ተግባራት ከምዝሳለጡ ኣመልኪቶም፡፡

ብፍቅርተ ከበደ፣ ጀማል ከዲሮን ታመነ ኣረጋን

Comments (0)
Add Comment