ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ንኽረምታዊ እዋን ዓመት 2013/14 ክሳብ ሕዚ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝተፈለላዩ ዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ገሊፆም።
ኣብ እዋን ክረምቲ ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ክሽፈን ኢዩ ካብ ሞንጎ ዝተብሃለ 13 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት፥ ክሳብ ሕዚ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ እቶም ሚኒስትር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ተዛሪቦም።
ኣይተ ዑመር ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ክሽፈን ከምዝነበሮ ገሊፆም።
እቲ እዋን ውፅታዊ ንምግባር ካብ ምልስላስ መሬት ጀሚሩ ሰብ ሞያን ኣድለይቲ እታወታትን ናይ ምድላው ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ምስ ሕፅት ዝናብን መሰል ምኽንያታትን ተተሓሒዙ እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ክዕወት ኣይከኣል እምበር ከይዲ ወፍሪ ምዝራእ ብፅቡቕ ኩነታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ዓመት ክቐርብ ኢዩ ካብ ዝተብሃለ 18 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ 92 ሚኢታዊ ካም ዝኣተወ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ዘበነ ምህርቲ ዓመተ 2013/14፥ 375 ሚሊየን ኩንታን ፍርያት ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣይተ ዑመር ገሊፆም።
ብዙፋን ካሳሁን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።