ክሳብ ሕዚ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ልዕሊ 20 ቢሊየን ብር ከምዝመሰብሰቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅዋዕ መተኣኻሐቢ እቶት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝነበሮ ናይ ሓደ ዓመት ፃንሒት ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ንክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ÷ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደን ተረኺቦም፡፡

እቲ ፅዋዕ ኣብ ክልል ሶማሌ ፃሒቱ ልዕሊ 120 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከመዝኣከበ ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ህንፀቱ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ካብ ህዝቢ ልዕሊ 20 ቢሊየን ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment