ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሕዚ 117 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተጓዓዓዘ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮርፖሬሽን÷ ዝነዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ካብ ዝገዝኦ 13 ሚሊየን 975 ሺሕን 520 ኩንታል 96 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝበፅሐ ገሊፁ፡፡
ኣብ ወደብ ካብ ሞንጎ ዝበፅሐ 13 ሚሊየን 475 ሺሕን 419 ኩንታል መዳበሪያ÷ ክሳብ ሕዚ 11 ሚሊየን 882 ሺሕነ 117 ኩንታል መዳበሪያ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተጓዓዓዘ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ትማሊ 524 ሺሕን 670 ኩንታል ዩሪያ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ምብፃሓ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ናይ መወዳእታ መርከብ ድማ ተወሳኺ 500 ሺሕ ኩንታል ዩሪያ ፅዒና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወደብ ጂቡቲ ክትበፅሕ ኢያ ዝብል ትፅቢ ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com