ክሳብ ሐዚ 620 ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ዲጂታል ስርዓት ኣትዮም-ዶ/ር በለጠ ሞላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሀንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምስላጥ ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ክሳብ ሐዚ 620 ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ዲጂታል ስርዓት ኣትዮም ከብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶ/ር በለጠ ሞላ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 100 መዓልታት ተሳሊጡ።

በለጥ ሞላ (ዶ/ር)፥ ስትራቴጂን ፖሊስን ዲጂታል ተቐሪፁ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ናብ ኤሌክትሮኒክ ወይ ዲጂታል ስርዓት ንምህናፅ ጠመተ ብምሃብ ከምዝተሰርሐ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም።

ክሳብ ሐዚ 620 ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ዲጂታል ስርዓት ኣትዮም ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ኣገልግሎታት መንገስቲ ናብ ዲጂታል ስርዓት ናይ ምእታው ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ቴሌኮም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሃገራዊ ጊጂታል ምንቅስቓስ ልዑል ለውጢ ዝመፅኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 6 ትሪሊየን ብር ምንቅስቓስ ዲጂታል ፋይናንስ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment