ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሐዚ 50 ሺሕን 337 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።
ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ከምዝበሎ፥ እቲ ስራሕቲ ምምላስ ካብ 21 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኢዩ ጀሚሩ።
ብመሰረት እዚ ኣብ እቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 137 በረራታት ብምክያድ፥ 50 ሺሕን 337 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ገሊፁ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተመለሱ እቶም 3 ሺሕን 628 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ንተመለስቲ ዜጋታት ደገፍን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምሕዋስ ስራሕ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።