ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ 240 ሺሕ 73 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ናብ ክልል ትግራይ ከምዝልኣኸ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ከምዝተልኣኸ ገሊፁ።
ዳይሬክተር ረክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ፀገም ዘለዉ ዜጋታት ዝግበር ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ 240 ሺሕ 73 ሜትሪክ ቶን ምግቢን 52 ሺሕን 645 ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ እታዎታትን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝልኣኸ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ንመካየዲ ስራሕን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝኸውን 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብርን ከምዝተልኣኸ ሓቢሮም።
1 ሚሊየንን 749 ሺሕን 722 ሊትሮ ነዳዲ፣ 258 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን 7 ሺሕን 257 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒን ብተሽከርከርቲን ተራንስፖረት ነፈርቲን ተላኢኹ ኢዩ ኢሎም።
ክሳብ ሐዚ ናብቲ ክልል ካብ ዝኣተዋ 6 ሺሕን 631 ተሽከርከርቲ እተን 2 ሺሕን 32ን ኣይተመለሳን ከብሉ ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።