ክሳብ ሐዚ ምስ ህወሓት ዝተገበረ ድርድር የለን-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ኣብ ዝሃብሉ እዋን ክሳብ ሐዚ ምስ ህወሓት ዝተገበረ ድርድር የለን ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብኲናት ሓድ ሕድ ፍፁም ዓወት የለን ኢሎም። “ብዙሕ እንትበሃል ንሰምዕ ኢና፥ ክሳብ ሐዚ ግን ምስ ህወሓት ድርድር ኣይተገበረን።

እዚ ማለት ድርድር ኣይጠቅምን ማለት ግን ኣይኮነን።” ክብሉ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ ድርድር ምግባር ክፍኣት ኣይብሉን፤ እቲ ኲናት ደው ንምባል እውን ካልኦት ኣማራፅታት ምርኣይ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

እሱረኛታት ምስ ምፍታሕ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ፥ እቶም እሱረኛታት ብምፍትሖም ኢትዮጵያ ብብዙሕ መገዲ ከምዝጠቐማ ተዛሪቦም። ንሃገር ዝጠቅም ስለዝኾነ ክልመድ ዝግበኦ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ይቕሬታ ምሕታት ፅቡቕ ኢዩ፤ ብፍላይ ተበዲልካ ይቕሬታ ምግባር ድማ ልዕልነት ሞራል ዝህብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment