ክርስቲያኖ ሮናልዶ ሆቴሉ ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ንዝተጎድኡ ዜጋታት መዕረፊ ክኸውን ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ሞሮኮ ዝርከብ ናይ ውልቀ ሆቴሉ ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ንዝተጎድኡ ዜጋታት መዕረፊ ክኸውን ፈቒዱ፡፡

ቶክ ስፖርት ከምዝፀብፀቦ÷ ኣብ ሞሮኮ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ምሰጋጠመ ፖርቹጋላዊ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣብ ማራካሽ ዝርከብ ሆቴሉ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ክፍቲ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡

“ፔስታና ሲ ኣር 7” እናተብሃለ ዝፍለጥ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ሆቴል ክርስቲያኖ ሮናልዶ÷ 174 ክፍሊታት ዘለዉዎን ኣብ ውቁባት ቦታታ ማራካሽ ዝተሃነፀን ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ንሓደ ለይቲ ልዕሊ 130 ፓውንድ ዝኽፈሎ ናይ ሮናልዶ ሆቴል÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ሓደጋ ዝጎድኡ ዜጋታት ግዚያዊ መዕቖቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምርዳእ ልገሳ ደም ኣካይዶም፡፡

ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት÷ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 2 ሺሕን 100 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment