ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ተሳትፎ ወለንታ ዘፈር ጥዕና ንጥዕና ማሕበረሰብ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ዘፈር ጥዕና ተጀሚሩ።
ኣብቲ ወለንታዊ ኣገልግሎት፥ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኣገልግሎት ሰናይ ተግባር እናሃቡ ዝፀንሑ ወለንታውያን ዘፈር ጥዕና ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ድማ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ።
ኣብ ናይ ሓጋይ መርሃ ግብሪ ወለንታ፥ ትካላት ጥዕና ንተገልገልቲ ምቹዋት ምግባር፣ ምሕዳስ ትካላት ጥዕና፣ ፅገና መሳርሒታት ሕክምና፣ ስልጠናን ህንፀት ዓቕሚን ምሃብን መርሃ ግብሪ ልገሳ ደምን ተኻይዶም።
ኣብ ክረምታዊ መርሃግብሪ እውን እዚኦምን መሰል ኣገልግሎታትን ብምጥንኻርን ልዕሊ 20 ማሕበራት ሞያ ቅድሚ ሕዚ ብዝተበታተነ መልክዑ እናተውሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ወለንታ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምውዳድ ክሰርሑ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ሰድራሕ ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያ ጥዕና ሓገዝ ሞያን ንጀመርቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ልምዲ ስራሕ ናይ ምክፋል ልምዲ ከምዝስራሕ እውን ተገሊፁ።
ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ወይዘሮ ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፥ ወለንታውያን ዘፈር ጥዕና ብምምስጋን ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኣገልግሎት ወለንታ ትኹረት ብመሃብ መምርሒ ወለንታ ዘፈር ጥዕና ከምዝተዳለወ ተዛሪበን።
ብሃይማኖት ኢያሱ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።