ክሕደት ዝፈፀሙ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ሃገርን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ክሕደት ብምፍፃም ልዑል ጉድኣት ዘብፅሑ ኣባላት ሰራዊት ሃገር ክሳብ 18 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተመሓላሊፉዎም።

ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ጦር እዚ ደቡብ ኣብ ዝወዓለ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ 10 ተኸሰስቲ ጥፍኣተኛ ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ብዝሰርሑዎ መጠን ገበን ውሳነ ቅፅዓት ኣመሓላሊፉ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ መፍረሲ ሃገር ግብረ ራዕዳውያን ምስጢራዊ ርክብ ብምፍጣር ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ፣ ክሕደት ብምፍፃም ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ንምፅምባር ምሽራብ፣ ንሸኔ ሓበሬታ ብምቕባል፣ ካብ ወፍሪ ቀጠና ብምህዳም ናይ ወገን ጦር ናብ ሓደጋ ምቅላዕ፣ ብዘይእኹል ምኽንያት ሲቪላት ምቕታል፣ ላዕለዋይ ትእዛዝ ብምንዓቕ ንሞት ንፁሃን ምኽንያት ምዃንን ወታደራዊ ንብረት ህዝቢን መንግስቲን ሒዝካ ንምህዳም ፈተነ ምግባር ዝብሉ ክሲታት ቀንዲ ሓሳብ ኮይኖም ቀሪቦም፡፡

እቲ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ የማንን ፀጋምን መርሚሩ ተኸሰስቲ ባዕሎም ክከላኸሉ ስለዘይከኣሉ ውሳነ ቅፅዓት ኣመሓላሊፉ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

  1. ሻለቃ ክፍሌ ካሳይ ብ17 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  2. ኮሎኔል ክፍሌ ፍሰሃዬ ብ14 ዓመትን 2 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  3. ሓምሳ ኣለቃ መብራቱ ጥላዬ ብ18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  4. መሰረታዊ ወታደር መኮንን ክንፈ ብ13 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  5. ሓምሳ ኣለቃ ፈረደ ይባስ ብ11 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  6. ምክትል ኣስር ኣለቃ ሓጎስ በርሄ ብ11 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  7. ምክትል ክፍሌ ንጉስ ብ9 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ፣
  8. ኮሎኔል ካሱ ሃብቱ ብ11 ዓመትን 2 ወርሒን፣
  9. ኮሎኔል ሀጎስ ኣሰፋ ብ8 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምኡ እውን
  10. ሌተናል ኮሎኔል ሃይላይ ገብሩ ብ10 ዓመትን 2 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ እቲ መሰረታዊ ቤት ፍርዲ ብይን ሂቡ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ 150 ኣብ ዝበልፁ ተጠርጠርቲ ብፍርዲ ቤት ከምዝረአ ተገሊፁ፡፡

ብቢቂላ ቱፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment